Find Posts By Topic

ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ከተማ ሲያትል ካብ (January) 30, 2023 ጀሚሩ ንዘይትኽፍለ ናይ ፓርኪንግን: ናይ ካሜራን፡ ትራፊክ ቲኬትን ናይ ደንጒኻ ምኽፋል መቕጻዕቲ ክጅምር ኢዩ።

ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ከተማ ሲያትል፡ ንዝረኸብኩሞ ቲኬት ናይ ክፍሊት ግዜኡ እንተሓሊፉ፡ ናይ ደንጒኻ ምኽፋል መቕጻዕቲ ካብ (January) 30, 2023 ክጅምሮ ኢዩ።

ናይ ደንጒኻ ምኽፋል መቕጻዕቲ ለበዳ COVID-19 ኣብ መጋቢት (March) 2020 ካብ ዝጅምር ጠጠው ኢሉ ኔሩ። ክሳብ ሎሚ እንተዘይተኽፊሎም ክሳብ 295,000  ቲኬታት ይጽለው ኢዮም። ኣባላት ሕብረተሰብ ዘይከፈሎዎ ቲኪት ክኸፍሉ ይተባብዑ ኢዮምን፡ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ምኽፋል ውጥን ወይ ናይ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ምግባርከም ምርጫ ምግባርን፡ ወይ ነቲ ዝተውሃቦም ቲኬት ምክታዕን፡ ጌጎም ኣሚኖም መቅጻዕቲ ኣፍኩሱለይ ምባልን፡  ብጥሪ (January) 30, 2023 ጠጠው ከብልዎ ይኽእሉ ኢዮም።.

ቤት ፍርዲ ናይ ደንጒኻ ምኽፋል መቕጻዕቲን፡ ነቲ ቲኬት ናብ ኮሌክሽን ኣጀንሲ(እንተዘይከፊልካ ንኽትከፍል ዝጠል ቡ ትካላት ምምሕልላፍ) ካብ ማርች(March) 2020 ጀሚሩ ብሰንኪ ኤኮኖምያዊ ሽግር ጠጠው ኣቢሉዎ ኔሩ። ናይ ደንጒኻ ምኽፋል መቕጻዕቲ ንፓርኪንግን ናይካሜራ ትኬትን ተወሳኺ $25፡ ናናይ ትራፊክ ሕጊ ምጥሓስ ድማ $52 ኢዩ።

ኣባላት ሕብረተሰብ ቲኬቶም ብኦን ላይን፡ ብቴሌፎን ቪዛ ወይ ማስተር ካርድ ክሬዲት ካርድ፡ ብደብዳቤ ወይ ድማ ብኣካል ኣብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ሲያትል፡ ወይ ኣብ ናይ ከባብያዊ ናይ ሲያትል ናይ ዓማዊል ኣገልግሎት ማእከል፡ ክኸፍሉ ይኽእሉ ኢዮም።

ናይ ፓርኪንግ ወይ ናይ ካሜራ ቲኬት እንተ ጠፊኡኩም ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ኮምፒተር  ኦንላይን መድረኽ ናይ ማኪና ታርጋኹም ክትፍትሹ ትኽእሉ ኢኹም። ብኣብ ጸጋም ኣብዝርከብ ናይ መኪና ሓበሬታ ብምጥቃም ናይ ማኪናኹም ታርጋ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ማኪናኹም ታርጋ ምስትርእይዎ ኣብኡ ጠውቑ፡ ዝኾነ ቲኬት ነታ ማኪና ዝተወሃበ ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ትራፊክ ቲኬትኩም እንተ ጠፊኡኩም፡ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ኮምፒተር ናይ ኦንላይን መድረኽ ብምጥቃም ኣብ ትሕቲ  ናይ ተኸሳሳይ ፍተሻ (“Defendant Search”) ሽምኩም ክተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ሽምኩም ምስረኣኹም ጠውቕዎ’ሞ፡ ኣብ ሲያትል ዝረኸብኩሞ ቲኬት ዝርዝር ክትርእይዎ ኢኹም፡

ቲኬትኩም  ምሉእ ብምሉእ ክትከፍሉ እንተ ዘይክኢልኩም፡  ብጥሪ (January) 30, 2023 በብቁሩብ ናይ ምኽፋል ወይ ናይ ኮሚኒቲ ኣገልግሎት ናይ ምግባር ውጥን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብናይ በብቁሩብ ናይ ምኽፋል ውጥን በብወርሒ እንተውሓደ $10 ትኸፍሉ፡ ወይ ድማ ናይ ኮሚኒቲ ኣገልግሎት፡ ተቐባልነት ኣብዘለዎ ናይ ግብረሰናይ ትካል ክትገብሩ ትኽእሉ። Payment Plan/Community Service Plan Application

ሕጊ ኣይጠሓስኩን ኢልኩም ክትካትዑ እንተደሊኩም ወይ ድማ ኣጥፊኤ ኣልኩ ግን መቕጻእቲ ኣፍኩሱለይ  ክትብሉ እንተደሊኹም  ቅድሚ ጥሪ(January) 30, 2023ብቴሌፎን ወይ ብደብዳቤ ናይ ጥርዓን ቆጸራ ቤት ፍርዲ ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እቶትኩም ትሑት እንተኮይኑሞ፡ ቲኬትኩም ናብ ገዘብ ዘኽፍሉ ትካላት እንተተላኢኹ፡ እቲ ዕዳኹም ክፎኽሰልኩም ስምዕታ ቤት ፍርዲ ናይ ሲያትል ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም። ስምዕታት ሓሙስ ሓሙስ ካብ ሰዓት 1100 ጀሚሩ ብቴሌፎን ኢዮም ዝካየዱ። ምዝገባ የድልይ ኢዩ።

ሕቶ ምስዝህልወኩም  ናይ ቲኬት ምላሽ ኣማራጺ (Ticket Response Options) ገጽ ተውከሱ ወይ ኣብ ቁጽሪ ቴሌፎን (206) 684-5600 ንናይ ክፍሊ ዓማዊል ኣገልግሎት ደውሉ።